ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዑደት የካይድ ኣሎ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 21 December 2015

Isu salma

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምዝርራብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ገሊጸን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ትማሊ ሰንበት 20 ታሕሳስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምእታው ምስ ንጉሳ እታ ሃገር ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፣ ሚኒስተር ጸጥታ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ናይፍ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ይዘራረብ ምህላዉ እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ከካይድ ኣብዚ ዝሕእለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

ዝምድና ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ንልዕሊ 10 ዓመታት ዛሕቲሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ግና፣ ክልትኤን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ስልታዊ ዝምድና መስሪተን ይርከባ።

ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደርዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ዝስለፍ ሰራዊት ከምዘይልኣኸት ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ንገማግም ቀይሕ ባሕራ ግና መራኽብ እቲ ኪዳን ክጥቀማሉ ከምዝፈቐደት ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኤርትራ፣ ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ብስዑዲ ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝድገፍ መንግስቲ የመን ኣብ ምስልጣን ከምእትርከብ ይንገር።

መንግስቲ ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ምስ ሃገራት ዓረብ ዘርእዮ ዘሎ ምድግጋፍ፣ ካብተን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠረን ኢማራትን ፊናንስያዊ ሓገዝ ክግበረሉ ምዃኑ’ውን ይግለጽ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት የመንን ምስ ጅቡቲ ንዘሎ ጉዳይን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዝርራብ ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብዓርቢ 18 ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0