ካብ ሓደጋ ባሕሪ ዝደሓነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ኢጣልያ፣ ብመስኮት ሆስፒታል ጸዲፉ ሞይቱ

ካብ ሓደጋ ባሕሪ ዝደሓነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ኢጣልያ፣ ብመስኮት ሆስፒታል ጸዲፉ ሞይቱ

Radio Erena: 21 December 2015

b me

ካብ ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓነ ኤርትራዊ፣ ብመስኮት ናይ ሓደ ሆስፒታል ጸዲፉ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እቲ ስሙ ዘይተገልጸ 24 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓኑ፣ ናይ ቆርበት ሕማም ንሕከምና ኣብ ካልያሪ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል’ዩ ኣትዩ።

እንተኾ፣ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ወይ ዓሸራ መታን ከይውሰደሉ፣ ብመስኮት ናይቲ ዝነበሮ ሆስፖታል ኣንሶላን ብምእሳር ክሃድም ኣብ ዝፍነተነሉ እዋን ጸዲፉ ህይወቱ ከምዝሓለፈት’ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ፖሊስ ኢጣልያ።

 

ሰበ ስልጣን እቲ ሆስፒታል ከኣ፣ እቲ ሕክምናኡ ወዲኡ ንኽፋኖ ቀሪቡ ዝነበረ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ካብቲ ሆስፒታል ንምህዳም ህወይቱ ክሳብ ምጥፋእ ዘብጽሕ ስጉምቲ ምውሳዱ ክርድኦም ከምዘይክኣለ ኣመልኪቶም።

ድሕሪ’ቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝበጽሖ ስምምዕ፣ ብኢጣልያ ዝመጽኡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያን ዒራቕን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ሕብረት ክሳብ ዝጣየሱ ኣብ መዓስከራት ኢጣልያ ክጸንሑ’ዩ ዘገድድ።

ስደተኛታ ነዚ መስርሕ ካብ ምጽባይ ከኣ ካብ መዓስከራት ኢጣልያ እናሃደሙ፣ ባዕለቶም ኣብ ዘዝመረጽዎ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዎም ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0