ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣልዋሊድ ቢን ጣላል መልእኽቲ ሰዲዱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣልዋሊድ ቢን ጣላል መልእኽቲ ሰዲዱ

Radio Erena: 06 November 2014

Souprince

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣልዋሊድ ቢን ጣላል ቢን ዓብዲልዓዚዝ ኣል ስዑድ መልእኽቲ ሰዲዱ።

ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሐ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ዛዚሙ ይሰናበት ብዘሎ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር መሓመድ ዑመር ማሕሙድ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ እቲ ወራስ ዓራት ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣማኻሪ’ቲ ወራስ ዓራት ዶክተር ናህላ ናስር ኣልናባር’ውን ተረኺቡ ኔሩ።

ወራስ ዓራት ኣልዋሊድ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሉ ዕድመ፣ ኣብ 2009 ኣብ ኤርትራ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝገብሮ ሓገዝን ኣበርክቶን ካብ ፕረዚደንት ኤርትራ ፍሉይ ናይ ክብሪ ማዳልያ ከምዝተዋህቦ ይዝከር።

 

ኣቦ መንበር ናይቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝውንኖ ኩባንያታት ዝኾነ ወራስ ዓራት ኣልዋሊድ፣ ኣብ ሓገዝን ረዲኤት ዝተመርኮሰ ሓያሎ ንጥፈታት ከምዘካየድ’ዩ ዝንገረሉ።

ብስሙ ዝውነን፣ ኣልዋሊድ ቢን ጣላል ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ግብረሰናይ፣ ስንክልና ንዘለዎም ቆሎዑ ኣብ ምሕጋዝ ዝውዕል 150 ሽሕ ዶላር ኣብ 2008 ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘበርከተ’ውን ኣይርሳዕን።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0