ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ንምዝርራብ ሎሚ ናብ ቀጠር ገይሹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ንምዝርራብ ሎሚ ናብ ቀጠር ገይሹ

Radio Erena: 06 December 2014

Isu temam

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ንምዝርራብ ሎሚ ቀዳም 6 ታሕሳስ 2014 ናብ ቀጠር ምጋሹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቀጠር ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ገና ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ንምዝርራብ ምዃኑ ዝሓበሩ ናይ ኣስመራ ምንጭታትና፣ ጎኒ ጎኑ’ውን ኣብ ካልእ ናይ ሓገዝ ጉዳያት ክመያየጡ ምዃኖም ኣገንዚቦም።

ኣቐዲሙ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካልድ ቢን መሓመድ ኣል ዓጢያ ዝተመርሐ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ኣብ ኣስመራ ምስጢራዊ ዑደት ብምክያድ ብዛዕባ ኩነታት እቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ጅቡቱ ከምዝተዘራረበ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

 

ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ከሊፋ ኣልታኒ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ናይቶም 17 ምሩዃት ኩናት ጅቡቲ ከይሕብር ብምሕንጋዱ እቲ ብመንጎኝነት ቐጠር ዝተበገሰ ናይ መስርሕ ሰላም ተሰናኹሉ ምህላዉ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ኣሚር ቀጠር ድሕሪ ምልኣኹ’ዩ፣ ኣሚር ቐጠር’ውን ኣቲ መስርሕ ሰላም ክቕጽል ዘለዎ እምንቶ ዝገልጽ መልሲ ብመንገዲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ዝልኣኸ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቀጠር ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣብ ጽባሕ’ቲ ናይ መጓዓዝያ በረራታት መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ኣገልግሎት ዝጀመረሉ ዕለት’ዩ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0