ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንወዱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣማኻሪ ስትራቴጅያውያን ጉዳያት ክኸውን መዚዝዎ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንወዱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣማኻሪ ስትራቴጅያውያን ጉዳያት ክኸውን መዚዝዎ

Radio Erena: 08 October 2018

Abraham Issaias

ፕረዚደንት ኢሳይይሳ ኣፈወርቂ ንወዱ ኣብርሃም፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ሓላፊ መጽናዕቲ ስትራትራቴጅያውያን ሰነዳትን ኣማኻሪ ኣብዚ ጉዳይን ኮይኑ ክሰርሕ ከምዝመዘዞ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ፕረዚደንት ነቶም ምስ ኢትዮጵያን ሃገራት ዓረብ ዝኸተሞም ሰነዳት፣ ወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ብምዃን ይከታተልዎ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ ይኹን ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዒዲ ዓረብ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ኣብርሃም ኢሳይያስ፣ ብደረጃ ጽፍሒ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ስትራቴጅያውይን ጉዳያት ኮይኑ ከምዝተሳተፈ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

ሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪሱ፣ ብዘይዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ቅዋማዊ መንግስትን ን27 ዓመታት ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ስልጣን ብደሞክራስያውን ውሑስን መንገዲ ንምስግጋር ዝኾነ መደብ ከምዘይብሉን፣ ንወዱ ከም ተካኢ መራሒ ሃገር ይምልምሎ ከምዘሎን ህዝቢ ብዓውታ ዝዛረበሉ ጉዳይ’ዩ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0