ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ዝጸደቐ ናይ 1997 ቅዋም “ዝሞተ ሰነድ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ዝጸደቐ ናይ 1997 ቅዋም “ዝሞተ ሰነድ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ

Radio Erena: 31 December 2014

New con

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኣብ 1997 ብተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቀን ትግባረ ጥራይ ዝጽበ ዝነበረን ቅዋም “ዝሞተ ሰነድ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ “ከይትኣወጀ ሞይቱ’ዩ” ዝብሎ ቅዋም ንምትካእ፣ መስርሕ ሓድሽ ቅዋም ይካየድ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።

እንተኾነ እዚ ሓድሽ ቅዋም ብመን ይንደፍን ብከመይ ኣገባብ ከኣ ክጸድቕ ምዃኑ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

 

እዚ ፈለማ ኣብ 24 ግንቦት ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተነግረ መስርሕ ሓድሽ ቅዋም፣ ካብቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ብተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም ብዛዕባ ዝህልዎ ፍሉዩነት ዝተፈልጠ ነገረ እኳ እንተዘየለ፣ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ስደት ዜጋታትን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንዝወርዶ ዘሎ ነቐፌታ ንምዝሓልን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ዘቤታውን ግዳማውን ተቓውሞታት ንምምካኹን ንናይ ግዜ ሃልኪን ተባሂሉ ዝተኣለም ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝጠቕሱ።

ካድራትን ሰበ ስልጣናትን መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣኼባታትን ምስ ገለ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቃት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ንምትግባሩ ይሰርሕ ከምዘሎ’ዮም ዝዛረቡ ኔሮም።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ብ24 ግንቦት ብሃንደበት ሓድሽ ቅዋም ይዳሎ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ናይ ትማሊ ቃለ መጠይቑ ድማ፣ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ከይትኣወጀ ዝሞተ ሰነድ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለዉ መንእሰያት ዝግብኦም ሞሳ ክረኽቡ ምዃኖም ንዝሃቦ መግለጺ ከኣ፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ከንቱ መብጽዓታት ምዃኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ይጠቕሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ወትሩ ኣብ ዘይጭበጡ ተስፋታት ኣብ ዞባውይን ኣህጉራውን ጉዳያት ከኣ ምስ ሃለውለው ዝጽብጸብ ትንተናታት እኳ እንተሃበ፣ ብዛዕባ’ቶም ንልዕሊ 10 ዓመታት ሃለዋቶም ጠፍኡ ዘሎ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዝምልከት ግና ዝኾነ’ውን ኣይተዛረበን።

ብቅዋም ዝመሓደር ትካላዊ ኣሰራርሓን ሃገራዊ ባይቶን ዘይብሉ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተባሕተ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ፣ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ከምዝርከብ ዝፍለጥ’ዩ።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0