ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ንተጻወቲ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣተዎ ናይ 1 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ክኸፍል ጻውዒት ቀሪብሉ

Radio Erena: 30 September 2020

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝናኣድ ውጽኢት ንዘመዝገበት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣተዎ ናይ 1 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ክኸፍል ሓላው ልዳት እታ ጋንታ ሕቶ ከምዘቕረበሉ መርበብ ሓበሬታ ጎል ኣፍሊጡ።

35 ዓመት ዝዕድሚኡ፣ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ዴኒስ ኦንያንጎ፣ ነቲ ሕቶ ዘቕረበ፣ ብምኽንያት ጽምብል መበል 76 ዓመት እቲ ፕረዚደንት’ዩ።

ንሱ ኣብ መልእኽቱ፣ ክቡር መራሒና፣ ብምኽንያት ዕለተ ልደትካ ነቕርበልካ ፍሉይ ነገረ እኳ እንተዘይብልና፣ ኣብ ሓምለ 2019 ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ ኣውዲቓ ምሕላፍ ድሕሪ ምብጽሓ ዝኣተኻልና ናይ 1 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ክትህበና ግና የዘኻኽረካ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነታ ብፈረንሳዊ ሰባስትያን ደዛብረ እትእለ ዝነበረት ሃገራት ጋንታ ናይ 1 ሚልዮን ዶላር መቑሽሽ ክወሃባ፣ ካብ ቤት መንግስቲ መብጽዓ ዝኣተወ፣ እታ ጋንታ ድሕሪ 1978 ታሪኻዊ ግስጋሰ ኣስለዘርኣየት’ዩ።

እንተኾነ፣ ዛጊት ሓደ ዓመቱ መሊኡ፣ እቲ ዝተመባጽዖ መቑሽሽ ንተጻወቲ ናይታ ብክሬንስ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ክወሃቦም ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0