ግብጺ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣማኢት ተኣሲሮም

Radio Erena: 30 September 2020

ኣብ ግብጺ፣ ካብ 20 ክሳብ 27 መስከረም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝቐንዐ ተቓውሞታት፣ ኣማኢት ሰባት ከምዝተኣስሩ ተጣበቕቲ ሰኣዊ መሰላት ገሊጾም።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ 27 ዞባታት፣ ኣብተን 14 ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝቐንዐ ተቓውሞታት ከምዝተኻየደ ዝሓብሩ እቶም ተጣበቕቲ፣ 68 ቆልዑ ዝርከብዎም 150 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጾም።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ጸኒሖም ክፍትሑ እንከለዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካልኦት ምስቲ ተቓውሞ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበልዎም ሰባት እናሃደኑ ምእሳር ይቕጽልዎ ምህላዎም ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ እቲ ኣንጻሩ ዝተወልዐ ተቓውሞ፣ “ሃገር ንምዕናው ብሒደት ዝተኣልመ’ዩ” ክብል’ዩ ገሊጽዎ።

እቲ ኣብ ግብጺ ዝተጎሃሃረ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ “ሕውነት ኣስላም” ብዝተባህለ ሃይማኖታውይን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ዝተወደበ ምዃኑ’ውን ዝገልጹ ኣለዉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0