ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ብምስጢር ክታበት ጸረ ኮረና ወሲዱ ኢላ ንዘቃለሐት ጋዜጣ ክኸሳ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 06 April 2021

ፕረዚደት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ብምስጢር ክታበት ጸረ ኮረና ወሲዱ ኢላ ዘቃለሐት ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ኣብ ቤት ፍርዲ ክኸሳ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ነታ ጋዜጣ ክኸሳ ምዃኑ ዘፍለጠ፣ ክታበት ኮቪድ ናብ ኡጋንዳ ከይኣተወ፣ ንሱ፣ በዓልቲ ቤቱን መቕርቡን፣ ብቻይና ንዝቐረበሎም ክታበተ ብምስጢር ከምዝወሰዱ ምቅልሓን፣ ንህዝቢን ሃገርን ከም ዘይሓሊ ጌራ ብምቕራብን፣ ንስመይ ደዊናቶ ብምባል’ዩ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ክታበት ብቀዳምነት ዘድልዮም፣ ከም ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝኣመሰሉ እናሃለዉ፣ ገና ክታበት ከይኣተወ፣ እታ ጋዜጣ፣ ከምዚ ዓይነት ዜና ምዝርግሓ፣ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝበለ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ቀዳማይ ገጻ፣ ብዓቢ ዝተጻሕፈ ይቕሬታ ክትሓትት ከምዘለዋ ሓቲቱ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይታ ኣብ ኡጋንዳ፣ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዝኾነት ደይሊ ሞኒተር፣ ቶኒ ግለንክሮስ ብወገኑ፣ ነቲ ክሲ ንምብዳህ ድሉዋት ምህላዎም ጠቒሱ።

ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ጋዜጣ፣ ኣቐዲማ ኣብ ዘቕረበቶ መርመራዊ ጸብጻብ፣ መራሕቲ ፔሩን ፊሊፒንስ ኣስታት 500 ዝኾኑ መቕርቦምን ናይ ቀረባ መሳርሕቶምን፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ ናብ ሃገራቶም ቅድሚ ምእታዉ፣ ብምስጢር ናይ ቻይና ክታበት ከምዝወሰዱ ኣቃሊሓ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ክታበት፣ ንኹሉ ክባጻሕ ኣብ ዘይክእለሉ ዘሎ ግዜ፣ ሃገራት ንዝረኸብኦ ብዝሒ ክታበት፣ ከም ሰራሕተኛታት ኣብያተ ሕክምናን፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ዝኣመሰሉ ሰባት’የን ቀዳምነታት ዝህባ ዘለዋ።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክታበት ገና ኣብቲ ዝተሓተ ቁጽሩ ስለዝርከብ፣ ኣብ ኣተዓዳድልኡ፣ ብልሽውናን ሰበይ ሰብካ ሰበ ስልጣን መንግስትን ክርአ ከምዝኽእል ይጥቀስ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0