ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊሰን

Radio Erena: 06 April 2021

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልከት፣ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጺን፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መኣዲ ዘተ ተመሊሰን።

ወከልቲ’ዘን ሃገራት፣ ብቅዳም 03 ሚያዝያ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ከተማ ኪንሻሳ ብምርኻብ፣ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ዘተ ከምዘካየዱ ተፍሊጡ።

እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኪባ ዘላ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ንሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስተራት ሃብቲ ማይን ሕርሻን ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ናብ መኣዲ ዘተ ብምዕዳም፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ እዘን ሰለድተ ሃገራት ዳግም ምብርባራ እወታዊ እኳ እንተኾነ፣ ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺታት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ብምዃኑ፣ እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ከምዘይከውን’ዩ ተገሚቱ።

ብፍላይ ሱዳን ንጉዳይ ናይል፣ ምስቲ ኣብ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ተተሓሕዞ ምስ ምህዋላ፣ ብኢትዮጵያ ዝቐረብ ዝኾነ እማመ ክትቕበል ከምዘይትክእል’ዩ ዝግለጽ።

ጉዳይ ናይል፣ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት’ዩ እናተበለት እትገልጾ ዘላ ግብጺ ብወገና፣ ጸግዒ ሱዳን ብምሓዝ፣ ነቲ ሰለይ ክብል ዝጸንሐ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ዝሓላልኽ ኮይኑ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ሱዳን፣ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ናይል፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ክጽንበርዎ’ዩ ትጠልብ ዘላ።

ግብጺ፣ ንእማመ ሱዳን ክትቕበል እንከላ፣ ኢትዮጵያ ግና ነጺጋቶ።

እዚ ኣብ ኮንጎ ዝተኻየደ ዘተ’ውን፣ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ሓባራዊ መርገጺ ንምሓዝ ድኣ’ምበር፣ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ከምዘይኮነ ብወገን ሱዳን ተሰሚዑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0