ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ንዝኾነ ቦኽሪ ወዱ ካብ መዝነቱ ኣልዩዎ

Radio Erena: 06 October 2022

ወዱ ንፕረዚደንት፣ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራልን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ኡጋንዳ፣ ሙሆዚ ካይነርጉባ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ መጽሔት ዥን ኣፍሪክ ኣቃሊሓ።

እቲ ንኣብኡ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ጀነራል፣ ካብ ናይ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝውግንን ንኬንያ ድማ ኣብ ክልተ ሰሙን ክወርራ ከምዝኽእልን ዝሕብር መልእኽታት ብመንገዲ ትዊተር ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ።

እቲ መርገጺ መንግስቲ’ውን ዘይኮነ ሓሳባትን ፖሊሲታትን ኣብ ትዊተር ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል፣ ብውሳነ መራሒ ሃገር፣ ካብ 04 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ጀነራል ካይነርጉባ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ካብ ወትሃደራዊ መዝነቱ ከምዝተኣልየን ናይ ትዊተር ማህደሩ ከምዝተዓጽወን ተሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

መበል 48 ዓመት ልደቱ፣ ጎደናታት ካምፓላ ብምዕጻው ዝጸንበለ ጀነራል ካይነርጉባ፣ ንኡጋንዳ ን39 ዓመታት ዝመርሐ ወዲ 78 ዓመት ኣብኡ፣ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ ክትክእ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

እቲ ጀነራል፣ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ወትሃደራዊ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ምስተሓበረ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ከምዘወዳደር ዝእንፍት ዘሎ ኣቡኡ ንምትካእ ዝተጀመረ መስርሕ ምድላው ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣሚቶም ኔሮም።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0