ፕረዚደንት ቻድ ብዞባዊ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ደብዳቤ ልኢኹ

ፕረዚደንት ቻድ ብዞባዊ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: 15 September 2017

Deby and Beshir

ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ ብዞባዊ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ደቢ፣ ኣብቲ ብ13 መስከረም ናብ ሱዳናዊ መዘንኡ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ኣብ ጉዳይ ቀጠር ዘለዎ መርገጺ ብምንጻር፣ ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ብዝምልክተ’ውን ዘለዎ ትዕዝብትን ስግኣታትን ከምዘስፈረ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ጠቒሶም።

ቀጠር፣ ብመንገዲ ዕጡቓት፣ ኣብ ቻድ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ሊብያን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ክትሰርሕ ጸኒሓ ክብል ብወግዒ ዝወቐሰ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ንኣምባሳደር ቀጠር ካብ ሃገሩ ከምዘባረረ ይዝከር።

ምስ ቀጠር ዝምድንኣ ዘይበተኸት ሱዳን ብኣንጻሩ፣ ኣብ ዳርፉር ንዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ መደባት ዝውዕል ናይ 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ቀጠር ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተቐበለት ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ደቢ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን እዋናዊ መልእኽቲ ክሰድድ ዝተገደደሉ ምኽንያት’ውን፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቀጠርን ዝጸንሐ ዝምድና፣ ከም ቀደሙ ይቕጽል ምህላዉ ስለዘሻቐሎ ክኸውን ከምዝኽእል ፖለቲከኛታት እቶ ዞባ ይጠቕሱ።

ካብ ፕረዚደንት ደቢ ናብ ፕረዚደንት በሺር ንዝተላእከ ደብዳቤ ኣብ ካርቱም ዘረከበ፣ ብሚኒስተራት ዞባዊ ምምሕዳርን ምክልኻልን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻድ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ብ 4 መስከረም፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባን ጽገናዊ ለውጢ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0