ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ብሰንኪ ስእነት መዐሸጊ ጎማ፣ ጸባ እናቀድሐ ይሸይጥ ምህላዉ ተሓቢሩ

ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ብሰንኪ ስእነት መዐሸጊ ጎማ፣ ጸባ እናቀድሐ ይሸይጥ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 15 September 2017

Asmara Milk

ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ብሰንኪ ስእነት መዐሸጊ ጎማ፣ ጸባ ብቢዶኒታት እናቀድሐ ይሸይጥ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

እቲ ፋብሪካ፣ ኣቀዲሙ’ውን ተመሳሳሊ ስእነት ኣጋጢምዎ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ካብ መቕድሒ ናብ መቅድሒ ብኢድ እናተገማድሐ ዝሽየጥ ዘሎ ጸባ፣ ብፍላይ ንቆልዑን ህጻናታን ጥዕናዊ ሳዕቤታን የኸትል ምህላዉ ኣረዲኦም።

ፋብሪካ ኣስመራ፣ ንኣዋርሕ ዝኣከል ዝነበሮ ስእነት መዐሸጊ ጎማ ከምዝተፈትሐ ብመንገዲ ማዕከንዝ ኤና መንግስቲ ኤርትራ ተሃቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ቁርብ ከይጸንሐ ግና እቲ ስእነት ናብ ዝነበሮ ከምዝተመልሰ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ወገናት ጠቒሶም።

መንግስቲ፣ ኣብ ልምዓትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ተኣምራት ከምዝሰርሐ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናታቱ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ብግቡእ ተዓሺጉ ናብ ዓማዊል ክበጽሕ ዝኽእል ጸባ ከውሕስ ከምዘይክኣለ’ውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ኤርትራ፣ ብብዝሒ ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዘሎ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ከም ጸባ፣ ብሽኮቲ፣ ዘይትን ጽማቕን ዝኣመሰለ መግብታት ኣብ ጥዕና ጸገማት የምጽእ ከምዘሎ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሬድዮ ኤረና ምርግጋጹ ኣይርሳዕን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0