ፕረዚደንት ታንዛንያ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ንልዕሊ 5 ሽሕ እሱራት ምሕረት ጌሩ

Radio Erena: 15 December 2016

Tanzania

ፕረዚደንት ታንዛንያን ጆን ማግፉሊ ብምኽንያት መበል 55 ዓመት መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ን5678 እሱራት ምሕረት ጌሩ።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብመሰረት እቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ፣ እቶም 1340 እሱራት ናጻ ክወጹ ክእወጅ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ድማ ከከም ገበኖም ናይ ዝእሰርሉ ንውሓት ግዜ ክቃለል’ዩ።

እቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ፣ ብፍላይ ነቶም ብሕዱር ሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉን ርኡይ ናይ ባህሪ ለውጢ ዘምጽኡን እሱራት ዘቐደመ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 ኣብዚ እዋናት ሓድሽ ዓመት፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ንእሱራት ምሕረት ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን፣ ፕረዚደንት ኬንያ’ውን ን66 እሱራት ምሕረት ኣውጁ ኣሎ።

መንግስቲ ኩባ’ውን፣ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሓለፈ ወርሒ ናብታ ሃገር ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ፣ መዓልቲ ምሕረት ድሕሪ ምእዋጆም ን787 እሱራት ምሕረት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ታይላንድ ድማ፣ ብምኽንያት ምሻም ሓድሽ ንጉስ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ሽሕ እሱራት ነቶም ፍርቆም ምሕረት ተጌርሎም ኣሎ።

በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንእሱራት ምሕረት ምግባር ኣብ ሃገራት ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብዚ ናይ 26 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ እዚ ልምዲ’ዚ የብሉን።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ እሱራት፣ መብዛሕቶም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዘይተራእየን ሕጋዊ መስርሕ ዘይክተልን ብምዃኑ፣ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ይኹን ዝፍትሕሉ ዕለት ከይፈለጡ ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ስግረ ዶብን ካልእን ዝተቐየዱ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሽሕ እሱራት ከምዘለዉ ጸብጻባት የረድኡ።

=======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0