ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሎሚ ናብ ኬንያ ክኣቱ’ዩ

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሎሚ ናብ ኬንያ ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 24 July 2015

Ob to Ken

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሎሚ ዓርቢ 24 ሓምለ ናብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ክኣቱ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቱ፣ ብዘይካቲ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣንን መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዘካዩዶ ዝርርብ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ኣብ ኣብ ንግድን ወፍርን ዘተኮረ ግሎባዊ ዋዕላ’ውን ክሳተፍ ትጽቢት ይንበረሉ።

ፕረዚደንት ኦባማ ድሕሪ ናይ ኬንያ ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ።

ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ፍሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዘንበረ ዑደት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ከም ዛዕባ ከይለዓል፣ ኣቐዲሙ ቀይዶም ንዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ምልቃቑ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ምክልኻል ክህልወን ብዝዕባ ዝኽእል ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ብዝምልከት መዘክር ከቲመን።

እቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልካል ሲራጅ ፌጌሳ ብወገን ኡጋንዳ ድምማ ሚኒስተር ምክልኻል ክሪስፑስ ኪዮንጋ፣ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ ማእከል’ዮም ከቲሞሞ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0