ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ቀጠር ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ቀጠር ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 15 May 2018

Amir Watar and Somali President

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ማዕከን ዜና ጋልፍ ታይምስ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀጠር ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብምርኻብ ኣብ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክልትኤን ሃገራት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዱ።

ንሱ ናብ ቀጠር ዑደት ምክያዱ፣ ነታ ምስ ሶማል ዝምድንኣ ኣብ ምልሕላሕ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ከቖጥዐን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ክልቲኤን እዘን ሃገራት፣ ሶማል ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዝምድና ክበትኽ ጸቕጢ ክገብራ እኳ እንተጸንሓ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ቀጠር ዝጸንሐ ታሪኻዊ ዝምድና ከምዘይበትኮ ምንጻሩ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ብምስምማዕ ንወደብ በርበራ ክትውንኖ ዝኣተወቶ ውዕል ንሉኡላውነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብል ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ኣቕሪቡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሶማል 10 ሚልዮን ዶላር ከተእቱ ድሕሪ ምፍታና፣ ዝምድንኣ ምስ ሶማል ናብ ምብታኽ ገጹ ተቓሪቡ ይርከብ።

ዝምድና ሶማል ምስዘን ሃገራት ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ’ዩ ፕረዚደንት ፋርማጆ ናብ ቀጠር ዝበጽሕ ዘሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታት ዝጸንሓ ቀጠር ድሕሪ’ዚ ናይ ሃገራት ወሽመጥ ምስሕሓብ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ዝምድንኣ ክዝሕትል እንከሎ፣ ምስ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ግና ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0