ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ኣካይዱ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ኣካይዱ

Radio Erena: 15 May 2018

beshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ምቅይያር ከምዝገበረ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ በብእዋኑ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ክኣሊ እኳ እንተጸንሐ፣ እዚ ትማሊ ሰኑይ 14 ግንቦት ዝተኻየደ ምቅይያር ግና ብውሕዱ ን15 ሚኒስተራት 10 ኣመሓደርትን ዝጸለወ’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ነዚ ምቅይያራት ናይ ሰበ ስልጣን ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ሓያሎ ኣምባሳደራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይከፈለቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኢብራሂም ጋንዶር ምግላጹ ይዝከር።

ፕረዚደንት በሺር፣ ነቲ ሚኒስተር ነዚ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፣ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ 13 ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታትን ቆንስልያን ክዕጾ ኣዚዙ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ሱዳን፣ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምስትኽኻል፣ ወጻኢታት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብ25 ሚእታዊት ከተጉድሎ ምዃና’ያ ትገልጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0