ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 15 March 2019

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሐሉ፣ ኣብ ጉዳይ ምስሓብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሶማል ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ ዘትዩ።

ንሱ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብታ ሃገር ንዝስልጥኑ ዘለው ወትሃደራት መንግስቲ ሶማል በጺሑ።

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ 2020 ጠቕሊሉ ክስሕብን ብሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክትካእን መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ ኡጋንዳ ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ ልዕሊ 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ሓደ ሲሶ ካብ ኡጋንዳ ዝተዋጽአ ምዃኑ ይፍለት።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ናይ ኡጋንዳ ዑደቱ፣ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ቁጠባዊ ዋዕላ’ውን ተሳቲፉ።

ኣብቲ ብ12 መጋቢት ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ወከልቲ መንግስታት ኬንያ፣ ርዋንዳ፣ ግብጺ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ተረኺቦም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0