መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ትጽጋዕ

መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ትጽጋዕ

Radio Erena: 15 March 2019

ሚሳይላትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝዓጠቐት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ፣ መልህቃ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣውሪዳ ከምዝቐነየት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እታ “ጎይካ ኣዳስ” ዝተባህለት ወትሃደራዊት መርከብ፣ ካብ 11 ክሳብ 14 ጥሪ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጸንሓትሉ ምኽንያት፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቱርኪን ተጀሚሩ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምዃኑ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ጀነራል ሙሳ ኣህመድ ሙሳ ገሊጹ።

ምብጻሕ እዛ ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝጸዓነት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ፣ ብዘይካ’ቲ ዝህልዎ ወትሃደራዊ ዕላማ፣ ካብ ህዝቡ ተቓውሞ ገጢምዎ ንዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ዘለዋ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ንምግላጽ’ውን’ዩ።

ሱዳንን ቱርኪን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ሓባራዊ ስምምዕ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ከም ኣካል ናይዚ ድማ፣ ቱርኪ ብፊናንስያዊ ሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን ወትሃደራዊ መዓስከር ተቕውም ኣላ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0