ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም፣ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምስ ወጻኢ ሃገራት ውዕላትን ስምምዓትን ከይክትሙ ኣጊዱ

Radio Erena: 10 August 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ምርጫ ተኻይዱ፣ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም፣ ሚኒስተራትን ካልኦት ስበ ስልጣንን እታ ሃገር ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት፣- ኣብ ንግዲ፣ ጸጥታ ይኹን ወትሃደራዊ ዘተኮረ ስምምዓትን ውዕላትን ከይገብሩ ኣጊዱ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ እገዳ ዘሕለፈ፣ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን ምዃኑ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ እቲ ፕረዚደንት ንዘሕለፎ እገዳ ብምንጻግ፣ ብዘለዎም መሰል ግዝያዊ ቅዋም፣ ሰበ ስልጣንን ትካላትን መንግስቲ ንረብሓ ሃገር ዘቐደመ ንጥፈታቶም ክቕጽሉ ጸዊዑ።

ኣብ ለካቲት 2021 ስልጣኑ ዘብቕዐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ኣይተሰማማዕናን ብምባል፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ’ዩ ወሲኑ ኔሩ።

እንተኾነ ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተኻየደ ተቓውሞን ናዕብን፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ስልጣኑ ከረክብ ተሰማሚዑ።

መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን፣ ስልጣኑ ካብ ዘብቅዕ፣ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ንዘሎ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ፕረዚደንት ብዘይኣፍልጦ ኣባላት ባይቶን ሰበ ስልጣን መንግስትን፣ ኣሽሓት ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራ ብምልኣኽ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝሳተፉ ጌሩ ዝብል ካልእ ክሲ’ውን ቀሪቡ’ሎ ኣሎ።

ካብ ውሽጢ ሃገራን፣ ካብ መሻርኽቲን ጸቕጢ ዝበዝሖ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ማዕከናት ዜና ተኸዊሉ ከሕልፎ እንከሎ፣ ዝበዝሐ ንጥፈታት መንግስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ’ዩ ተወኪሉ ዝርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0