ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት 84 ወትሃደራት ከምዝተቐትሉዋ ገሊጻ

Radio Erena: 11 August 2021

ሱዳን፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ፣ ኣብ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ፣ 84 ወትሃደራት ከምዝተቐትሉዋ ኣፍሊጣ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ንኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብምጥቃስ ብዘቕረብኦ ሓበሬታ መሰረት፣ ብኢትዮጵያ ተወሪሩ ዝነበረ ሰፊሕ ክፋል ዞባ ኣልፋሺጋ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት’ዮም እቶም ሱዳናውያን ወትሃደራት ተቐቲሎም።

ኢትዮጵያ፣ ብወገን ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተጻብኦታት ትቕጽሎ ከምዘላ ዝገለጸ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ሰራዊት ሱዳን ነዚ ተጻብኦታት’ዚ ንምምካት፣ ኣብቲ ዶባት ተዋፊሩ ክጸንሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበ፣ ሓድሽ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ካርዶፋን፣ ስልጣን ናይ ምርካብ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ፣ ብሰራዊት እታ ሃገር እትውነን ራድዮ ሱዳን ገሊጻ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ታሽዓይ ወርሑ ኣቝጺሩ ንዘሎ ዶባዊ ግጭት ንምፍታሕ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐረበ እማመታት ኣይተቐበላን።

ኢትዮጵያ ናብ ዘተ ክትቐርብ እንተኾይና፣ ሰራዊት ሱዳን ቅድሚ 6 ሕዳር 2020 ናብ ዝነበረ ከባቢታት ክስሕብ ክትሓትት እንከላ፣ ሱዳን ብወገና፣ ሒዛቶ ዘላ መሬታ፣ ቅድሚ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ ክፋላ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰራዊታ ከምዘተውጽእ ኣፍሊጣ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0