ፕረዚደንት ሶማልን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ እትርከበን ዞባታትን፣ ኣብ ሓድነት ብምትካር ዘካየድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 May 2019

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ምስ ዝርከቦም መራሕቲ ሓሙሽተ ዞባታት፣ ዘካየዶ ኣብ ሓድነት ዘተኮረ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ።

እቲ ካብ 5 ክሳብ 10 ግንቦት፣ ኣብ ፑንትላንድ፣ ከተማ ጋሮወ ዝተኻየደ ዘተ፣ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን መራሕቲ ሓሙሽቲኤን ዞባታትን፣- ኣብ ኣዋጅ ነዳዲ፣ ንድፍታት ሕግን ምምሕያሽ ቅዋምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ክሰማምዑ ከምዘይክኣሉ’ዩ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ መራሕቲ ናይተን ሓሙሽተ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብምብሓት ስልጣን፣ ምፍራስ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ስምምዓትን ካልእ ፖለቲካውን ጸጥታዊ ጉዳያትን ብዘልዓልዎ ወቐሳታት፣ እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ዘተ ብዘይምርድዳእ ከምዝተበተነ’ዩ ማዕከን ዜና ጋሮወ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ሃገራዊ ሓድነት፣ ዘተን ምምኽካርን ዝተሳተፋ ሓሙሽተ ዞባታት ሶማል፣- ፑንትላንድ፣ ጁባላንድ፣ ጋልምዱግ፣ ሂርሸበለን ደቡባዊ ምዕራብን’የን።

ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባታት ብምእታው፣ ጸጥታ ከውሕስ ብዘይምኻሉን ፖለቲካዊ ስምምዓት ብዘይምትግባሩን ክወቕሱ ዝጸንሑ መራሕቲ ናይተን ዞባታት፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ተመሪሖም ዘካየድዎ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ዘተን ምምኽኻርን፣ ንሓድነት፣ ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታዊ ርግኣትን ብሓባር ክሰርሑ’ዮም ተረዳዲኦም።

እንተኾነ፣ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፣ ኣብ ጉዳይ ኣዋጅ ነዳዲ፣ ንድፊ ሕግታትን ምምሕያሽ ቅዋምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም፣ እቲ ዘተ ብዘይ ሓባራዊ መግለጺ’ዩ ተዛዚሙ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0