ፕረዚደንት ሳል ቫኪርን መራሒ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳንን፣ ንፈለማ እዋን ክራኸቡ’ዮም

ፕረዚደንት ሳል ቫኪርን መራሒ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳንን፣ ንፈለማ እዋን ክራኸቡ’ዮም

Radio Erena: May 8, 2014

Kir Machar

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን መርሕቲ ተቓዋሚ ረክ ማሻርን ንመጀመርያ እዋኖም ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፈላም ርክብ ከካይዱ ምዃኖም ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ገሊጹ።

ሳልቫኪርን ማሻርን ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋኖም ዘካይድዎ ገጽ ንገጽ ርክብ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝተወከለ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

 

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ሬክ ማሻር፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራሩክ ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ዕጡቓት ምሊሻን ብምልዕዓል ኣንጻር መንግስቲ ሬክ ማሽር ግጭት ከምዘልዓለ ኣይርሳዕን።

ንክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ብምዝርራብ፣ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እት ሃገር ናብ ዝበኣሰ ግጭት ከይተምርሕ ተሰጊኡ ይርከብ።

ነዚ ስግኣት እዚ ንምውጋድ ድማ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ክልቲኦም መራሕቲ ብኣካል ብምርኻብ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ ንምብጽሖም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተበግሶ ከምዝወሰደ የመልክት።

ኣብ ዞባ ዩኒቲን ጆንገሊን ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕታት ከቢድ ስግኣት ሓዲርዎ ዝርከብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ድማ፣ ምስቲ ባዕሉ ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎ ሬክ ማሻር፣ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0