ፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ተወሳኺ ርክባት

ፕረዚደንታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ተወሳኺ ርክባት

Radio Erena: May 8, 2014

Isu Albeshir

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንምዝርራብ ሎሚ ሓሙስ 8 ግንቦት ናብ ካርቱም ክኣቱ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ርክባት ክልቲኦም መራሕቲ፣ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ጸጥታ ዶባት፣ ንግድን ካልእ ምስ ደቡብ ሱዳን ዝተተሓዘ ጉዳያት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝርርባት ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

 

ብፍላይ ኣብ መስመር ከሰላ-ተሰነይ ዘሎ ጉዳይ ጸጥታ፣ ንግድን ብሓገዝ ንግስነት ቐጠር ክምስረት ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ናጻ ዞባን ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ሎሚ ናብ ካርቱም ዘካይዶ ዑደት፣ ብፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝምራሕ ላዕለዋይ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፍ’ውን ወግዕእዊ ዕድመ ከቕርበሉ ምዃኑ ይግመት።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሱዳን ኣብ ኣስመራ ዑደት ከምዘካየዱ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ሓለፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እታ ሃገር መሓመድ ዓጣ ዝመርሖ ፍሉይ ልኡኽ’ውን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበ ይንገር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ሎሚ ናብ ሱዳን ዘካይዶ ዑደት ሓያሎ ሚኒስተራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ ከሰንይዎ ምዃኖም’ውን ኣል ራይማንድ ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዳን ጠቒሳ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ሱዳን ዜና፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ንምውሳድ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሕቶ ከምዘቕረበሉ፣ ኣብ ሚኒስትሩ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሓላፊ ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራት ኢብራሂም ቡሽራ ምርግጋጹ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

===========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0