ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ብቴሌቪዥን ብቀጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ኣብ ስሪኡ ምሻኑ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ

Radio Erena: 20 December 2022

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ብልቃሕ ቻይና ንዝተሃንጸ ሓድሽ ጽርግያ ኣብ ዝምርቐሉ ዝነበረ እዋን፣ ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ ኣብ ስሪኡ ምሻኑ ኣብ ህዝቢ’ታ ሃገር መዛረቢ ኮይኑ።

እቲ ወዲ 71 ዓመት ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ብ13 ታሕሳስ ዝካየድ ዝነበረ መደብ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብቴሌቪዥን ብቀጥታ እናተመሓላለፈ እንከሎ’ዩ ኣብ ስሪኡ ክሸይን ተራእዩ።

ነቲ መርበባት ዜና ኣዛሪቡ ዘሎ ክስተት፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይተሃበሉ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተፈላለየ ትንታነታት ይህብሉ ኣለዉ።

ሓደ ካብቲ ተደጋጊሙ ዝስማዕ ዘሎ ነጥብታት ድማ፣ እቲ ፕርዚደንት ረኽሲ ፍሕኛ ከምዘለዎ፣ ብሰንኩ ድማ ሽንቱ ክቖጻጸር ከምዘይክኣለ ኣሚቶም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0