ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 27 October 2016

Salma Albe

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ምስ ንጉስ ሳልም ናይ ስዑዲ ዓረብ ዘትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ብሓያሎ ሚኒስተራቱ ተሰንዩ ብሰኑይ 24 ጥቅምቲ ናብ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ምስ ስዑዲ ዓረብ ተጀሚሩ ዘሎ ምትሕግጋዝን ብዝምልከት’ዩ ምስ ንጉስ ሳልማን ተዘራሪቡ።

ሱዳን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ዝስለፉ 840 ወትሃደራት ናብ የመን ልኢኻ ምህላዋ ይፍለጥ።

ስዑዲ ዓረብ ከኣ ኣምሳያኡ ነታ ሃገር ፊናንስያዊን ወትሃደራውን ሓገዛት ተበርክተላ’ላ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን፣ ፕረዚደንት ሱዳን ናብ ስዑዲ ዑደት ከካይድ እዚ ንሓሙሻይ እዋኑ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0