ፕረዚደንት ኣንጎላ፣ ጓሉ ንሃብቲ ነዳዲ እታ ሃገር ከተመሓድር ምርቁሑ ተቓውሞ ገጢምዎ

Radio Erena: 27 October 2016

Dos Santos

ሓደ ካብቶም ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ኣንጎላ ሆሰ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ፣ ንጓሉ ሓላፊት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ክትከውን ምርቁሑ ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ኣላዓዒሉ።

እቲ ን36 ዓመታት ንኣንጎላ ዝመርሐ ፕረዚደንት ዶ ሳንቶስ፣ ነታ ቢልዮነር ዝኾነት ጓሉ፣ ንሃብቲ ሃገር ከተምሓድር ምርቁሑ፣ ዘይሕጋውን ደረቱ ዝሓለፎ ምልኪን’ዩ ክብሉ 14 ጠበቓታት እታ ሃገር ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኣባል ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኦፔክ ዝኾነት ኣንጎላ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም እተቕርብ ዘላ ሃገር’ያ።

ናይጀርያን ሊብያን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ብዝሒ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብኦ ዘለዋ ነዳዲ ምስ ናይ ኣንጎላ ክወዳደር ኣይከኣለን።

ኣብ 2018 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኣንጎላ፣ ነቲ ን36 ዓመታት ብሒትዎ ዘሎ ስልጣን ናብ ደቁ ንምስግጋር ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሖም ኣለዉ።

ሓያሎ ካብኣቶም፣ ስልጣኖም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጹ ዜጋታት ኣብ ክንዲ ምስግጋር፣ ናብ ደቆም፣ ናብ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም፣ ወይ ከኣ ብዝያዳ ናብ ዝኣምንዎም ሰባት ከሰጋግርዎ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝዝረበሉ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እዞም ንምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ ብምልኪ ዝልለዩ መራሕቲ፣ ንደቆምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጸላውን ኣገዳስን ቦታታት ወይ ስልጠና ክስግስግዎም’ዮም ዝርኣዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0