ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስዑዲ ዓረብ ገንዘብ ከምዝተቐበለ ተኣሚኑ

Radio Erena: 01 September 2019
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስዑዲ ዓረብ ገንዘብ ከምዝተቐበለ ተኣሚኑ።
ኣልበሽር ብቀዳም 31 ነሓሰ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ነቲ 25 ሚልዮን ዶላር ብፍልይቲ ነፋሪት ከምዝሰደደሉ ድሕሪ ምእማን፣ እቲ ገንዘብ ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳቡ ደኣ ይእቶ እምበር፣ ንወፈያ ከምዝተጠቕመሉ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቃሉ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ስሙ ክጥቀስ ስለዘይደለየ፣ እቲ ገንዘብ ኣብ ናይ መንግስቲ ማዕከን ገንዘብ ወይ ባንክ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ጥራይ ኣብ ገዝኡ ከምዝሓዞ ይገልጽ።
ገለ ካብቲ ወፈያ ገይረዮ ዝበሎ፣ 5 ሚልዮን ዶላር፣ ነቲ ካብ ስልጣኑ ንክዕሎ ዝሰርሐ ምልሻ ጃንጃዊድ፣ 4 ሚልዮን ዶላር ንዩኒቨርሲቲ ሱዳን፣ ክልተ ሚልዮን ዶላር ከኣ ንወተሃደራዊ ሆስፒታል ከምዝሃበ እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ኣኽባር ሕጊ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ክሲ፣ ኣልበሽር 90 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ካብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተቐበለ እዩ ዘመልክት።
ንዝመጽእ መስከረም 7 ዳግማይ ቆጸራ ተታሒዙሉ ዘሎ ኣልበሽር፣ ኣኽባር ሕጊ ተወሰኽቲ መርትዖታትን መሰኻኽርን ሒዙ ከምዝቐርብ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ገሊጸን።
ኣልበሽር ብዘይካ’ቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ካልእ ክስታት በዚ ካብ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተቐበሎ ገንዘብ ጥራይ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍረድ ከምዝኽእል እዮም ክኢላታት ሕጊ ሱዳን ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0