ፕረዚደንት ሱዳን ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጌሩ

ፕረዚደንት ሱዳን ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጌሩ

Radio Erena: 04 June 2015

Albager

ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ድሮ’ቲ ቃለ መሓላ ዝፈጸመሉ ዕለት፣ ንሚኒስተር ምክልኻል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳንን ኣዘዝቲ ሓይሊ ምድርን ካልኦትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ጀነራላት ናይ ስራሕ ምቅይያር ክገብረሎም እንከሎ ንገሊኦም ድማ ብጥሮታ ካብ ስራሕ ኣፋንዩ።

ካብ 1989 ኣትሒዙ ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቃለ መሓላ ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምውይያር ምክያዱ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ከይካየደሉ ካብ ምስጋእ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ሱዳን ይጠቕሱ።

 

እንተኾነ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኮለነል ኣል ሳዋርሚ ካል ሰዓድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንቡር ንጥፈታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 94.5 ሚእታዊት ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ መራሕትን ወከልትን ኤርትራ ናይ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ብሰሉስ 2 ሰነ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0