ፕረዚደንት ሱዳን፣ ብተቓውሞ ህዝቢን ወትሃደራዊ ሓይልን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

Radio Erena: 12 April 2019

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣንጻሩ ክካየድ ብዝጸንሐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ብሓገዝ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ 11 ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ምክትሉን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዖውፍ፣ ግዝያዊ ወትሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።

ጀነራል ኢንብ ዖውፍ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ስልጣን ምቅይያር’ዩ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ናይ ሚኒስተር ምክልካል ጽፍሒ፣ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ።

እቲ ጀነራል፣ ንክልተ ዓመት ብመሰጋገሪ ወትሃደራዊ መንግስቲ ነታ ሃገር ከምዝመርሕ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት በሺር፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዱ ከምእሱር ተታሒዙ ከምዘሎ ዘመልከቱ ጸብጻባት እታ ሃገር፣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ከምዘሎ መልኪቶም።

ህዝቢ ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ሓጎሱ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ነዚ ብናይ ቀረባን እሙንን መሳርሕቱ ዝነበረ ጀነራል ኢንብ ዖውፍ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምታት ምቓዋሙ ይቕጽል ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    ተኽለ 5 years ago

    እወ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሪፉ ግን ሓያል ህዝቢ ብዘይ እመን ኣሚኑ ዝጸንሔ ካቢድ እዩ እምበርከ ቆልዓ ብንእሱ ገረብ ብርሕሱ ኮይኒዎ ኣሎ።

    • comment-avatar
      Meብ 5 years ago

      ህዝቢ ኤርትራ ናዕቢ ዘድልዮ ነይሩ እንተዝከውን፣ ቅድሚ ህዝቢ ሱዳን ምናዓበ ነይሩ፣ እቶም ንናዕብን ህውከትን ትጽውዑ ዘለኹም፣ ትማሊ ኣብኡ ዝነበርኩምን፣ ህውከት ንኸይትገብሩ ንነብስኹም ስለ ዝፈራህክሙላን ኢኹም። ሎሚ ናዕቢ ዘድሊ እንተኾይኑ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ክሽነን መደቀስን ስደት ኴንካ “ይኣክል!” ምባል፣ ብግብሪ ኬድኩም ተቓለሱ።

  • comment-avatar
    Semere 5 years ago

    Ezi ABI timhrti eye ni generalat
    Hagerna