ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንሳልሳይ እዋኑ ኣብ ሲንጋፖር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተመላሊሱ

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንሳልሳይ እዋኑ ኣብ ሲንጋፖር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተመላሊሱ

Radio Erena: 17 July 2017

Mugabe

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ንሳልሳይ እዋኑ፣ ኣብ ሲንጋቦር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ መርመራ ከምዘካየደ ማዕናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ሃገር ክመርሕ ምሉእ ኣይክእልን’ዩ እናበሉ ሕእያሎ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ዝቃወምሉ ዘለኡ እዋን’ዩ እቲ ፕረዚደንት ካብ 7 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ሲንጋፖር ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ብቀዳም 15 ሓምለ ናብ ሃገሩ ዝተምልሰ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ናብ ሲንጎፕር እናተመላለሰ ክሕከም እዚ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ።

ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ዚምባብዌ፣ ነዚ ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ መራሒኣ ዓመታዊ ንሕክምና ጥራይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶኣር ተባኽን ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ብእርጋን ተሰኒፉ ዝርከብ ፕረዚደንት፣ ካብ ዚምባብዌ ከተማ ሃራረ ናብ ሲንጋፖርት እተጓዕዞ ፍሉይትን ምችእትን ነፋሪት ካብ ሃገራት ዓረብ ብኽራይ ከምዘምጽእ’ዩ ዝዝረበሉ።

ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕርዚደንት ሙጋበ፣ ክሳብ ብህወይት ዘሎ ኣብ ምርጫ እናተወዳደረ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብ ሲንጋፖር ሕክምናዊ መርመራ ድሕሪ ምኽያዱ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝመለሰሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና በዓልቲ ቤቱ ፈኵስ ማህሰይቲ ከምዝወረዳ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ጠንቒ እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ኣየነጸረን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0