ስምምዕ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብያ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከይተኸተመ ተሪፉ

ስምምዕ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብያ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከይተኸተመ ተሪፉ

Radio Erena: 18 August 2015

south force aggr

Radio Erena: 18 August 2015

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳል ቫኪር ሚያርዲትን ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ንምኽታም ነጺግዎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ተወሳኺ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ክወሃቦ ብምጥላብ፣ ነቲ ዝቐረበ ስምምዕ ከምዘይከተመ ኣርረጋጊጹ።

ክልቲኦም ወገናት፣ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድንን ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብሰኑይ 17 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽትምዎ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ኣብያ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

 

እቲ ክኽተም ተወጢኑ ዝነበረ ስምምዕ፣ ንኽልቲኦም ወገን ክወርዶም ካብ ዝኽእል እገዳ ንምምላጥ ብድፍኢት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋንድን ዝተስገደደ ብምዃኑ ቀጻልነቱን ውሕስነቱን ኣጠራጣሪ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ርእይቶታቶም ይህብሉ ኣለዉ።

ግጭት ደቡብ ሱዳን ብዘይዝኾነ ዕዉት መስርሕ ሰላም ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝተቓረበሉ፣ ኣመሪካ ብመንገዲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን እገዳ ከተንብር ምዃኑ ምጥንቓቓ ይዝከር።

ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ብሬክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚኡን፣ ካብ ዘለዎም ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ፍልልያት ንላዕሊ ናይ ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓታትን ቁርቁስ፣ ንመስርሕ ሰላም እታ ሃገር ዓንቒፉ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሓምለ 2011 ናጽነታ ዝረኸበት ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2013 ዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከዝቆሰሉን ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት የረድኡ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0