መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብን ናብን ኣስመራን ዶሓ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብ25% ከዕብዮ’ዩ

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብን ናብን ኣስመራን ዶሓ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብ25% ከዕብዮ’ዩ

Radio Erena: 17 August 2015

Qatar

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክውስኸሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ኣብ ሰሙን ኣርበዓተ መዓልታት ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ 7 መስከረም ኣትሒዙ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ከዕብዮ’ዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ኣብ ናብ ኤርትራ ብመንገድታት ኣየር ቱርኪን ግብጽን ዝካየድ ናይ ማእከላይ ምብራቕ በረራታት ክዕብልሎ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

 

መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ካብን ናብን ዶሓ ኣስመራ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረታታት ብ25 ሚእታዊት ዝውስኸሉ ዘሎ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓደ ካብ መወዳደርቱ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፣ ካብ 25 ጥቕምቲ ኣትሒዙ ናብ ካብን ናብን ዱባይ ኣስመራ ኣብ ሰሙን ኣርዕተ መዓልት ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን’ዩ።

መንገዲ ኣየር ቀጠረ ካብ ታሕሳስ 2014 ናብ ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣስመራ ናብ እትርከበን 151 ሃገራት በረታታት የካይድ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0