ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፣ ሰሉስ ክካየድ እዩ

Radio Erena: 07 August 2022

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ንምዕዋት ጎስጓስ ከካዪዱ ዝሓገዩ ሕጹያት ተወዳደርቲ፤ ቀዳም ሰዓት 6 ምሸት ብወግዒ ደው ከምዘበሉ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 6 ዝጅምር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳደርቲ ዘለዉ፤ ራይላ ኦዲንጋን ዊልያም ሩቶን፤ ንመወዳእታ ግዜ ንሰዓብቶም ኣብ ዝሃብዎ መደረ፤ ንውጽኢት ምርጫ ክቕበሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ክልቲኦም ተወዳደርቲ፤ ዝያዳ ጎስጓሶም ኣብ ምውጋድ ጉቦን ብልሽውናን ከተኩሩ ምዃኖም እዮም ገሊጾም።

ኣብ ስታድዮም ካሲራኒ ንኦዲንጋ ክድግፍ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዝተዓጻጸፈ ካብቲ ናይ ሩቶ ደጋፊ ዝበዝሕ ምንባሩ ዝገልጹ ተዓዘብቲ፤ እቲ ናይ ምዕዋት መስኮት ንክልቲኦም ተወዳደርቲ ጸቢብ ከምዝኸውን ይገልጹ።

ንራይላ ኦዲንጋ፤ ንዝተጸገሙ ስድራቤታትን መንእሰያትን ፋይናንስያዊ ደገፍ ናይ ምግባር ፖሊሲኡ ከምዘዐውቶ ክገልጽ እንከሎ፤ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፤ ብልሽውና ንምውጋድ ሓንጺጹዎ ዘሎ ፖሊሲ ከምዘዐውቶ ይገልጽ።

ኣብዚ ሰሉስ ንግሆ ዝጅምር ፕረዚደንታዊ ምርጫ፤ ህዝቢ ኬንያ ናብቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተዳልዩ ዘሎ 46 ሽሕ ናይ ምርጫ ነቑጣታት ብምውሓዝ፤ መራሒኡ ክመርጽ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0