ኢትዮጵያ፣ 24 ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 800 ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲለ ትብል

Radio Erena: 07 August 2022

ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ ልዕሊ 800 ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲሉ ክብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰራዊት ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ብተደጋጋሚ እዋን ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ መጥቃዕታት ምፍጻሙ ብምጥቃስ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ጸረ መጥቃዕቲ፤ 24 ላዕለዎት መራሕቲ’ቲ ጉጅለ ዝርከብዎም ልዕሊ 800 ሰባት ምቕታሎም ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ብወገኑ፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝቐተለ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻብ ብሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

ጸብጻባት ዜና ሶማል ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፤ ኣልሸባብ 150 ኪሎሜተር ናብ መሬት ኢትዮጵያ ብምእታው መጥቃዕቲ እዩ መጥቃዕቲ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ሙስጦፋ ዑመር፤ ብዓርቢ 5 ነሓሰ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፤ ልዕሊ 100 ኣባላት ኣልሸባብ ተማሪኾም ምህላዎም ገሊጹ። ንሱ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣልሸባብ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ከይኣቱ ዝኽልክል ናይ ጸጥታ ዞባ ኣብ መሬት ሶማል ክሕንጽጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣልሸባብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ መጥቃዕታት ዘካዪድ ዘሎ፤ እቲ ጉጅለ ኣብ ሶማል ጥራይ ዘይኮነ፤ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ከምዘለዎ ንምርኣይ ምዃኑ’ዩ ብተንተንቲ ፖለቲካ ዝወሃብ ዘሎ መብርሂ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0