ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ንሳልሳይ እዋኑ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 01 December 2016

Somalia Ele

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ንሳልሳይ እዋኑ ከምዝተሰጋገረ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ምርጫ ሶማል ዑመር መሓመድ ዓብዱለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ንሮቡዕ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተሰጋገረ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮሚሽነር፣ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት እኳ እንተዘየነጸረ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ወርሒ ዝቕጽል ፕረዚደንት ክፍለጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ምርጫ ኣባላት ባይቶ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣትን ብልሽውናን ብግቡእ ክሰላሰል ብዘይምኽኣሉ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክካየድ ከምዘይክኣለ’የን ማዕከናት ዜና ካብ ሶማል ዝሕብራ።

እተን ማዕከናት ዜና፣ ብምርጫ ክውሰን ዝነበሮ መናብር ኣባልነት ባይቶ፣ በብዘለዎ ኣገዳስነት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ’ውን ኣመልኪተን።

ሶማል ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ስሩዕ መንግስታዊ ኣካይዳ ክትክተል እኳ እንተዘይክኣለት፣ ማዕረ’ቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብልሽውና’ውን ሓኒቑ ሒዙዋ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0