ኣማኢት ሱዳናውያን፣ ንወሰኽ ዋጋታት ነዳዲን መድሃኒትን ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 01 December 2016

Sudan demo

ኣማኢት ሱዳናውያን፣ ንናህሪ ዋጋታት ነዳዲን መድሃኒትን ንምቅዋም ኣብ ካርቱም ከባቢ ኡምዱርማን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን፣ ነቶም ብሮቡዕ 30 ሕዳር ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣማኢት ዜጋታት እታ ሃገር ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተኻየደ፣ ተቓወምቲ ሰልፍታት ካብ 27 ሕዳር ዝጅምር ህዝባዊ ኣብያ ክካየድ ድሕሪ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያ፣ ካብ ኣማኢት ዝሓልፍ ህዝቢ ከምዘይተሳተፎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2013 ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞን ናዕብን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሓያሎ ሰባት ከምዘቑሰሉን ከምዝቐየዱን ይዝከር።

ኣብ መፈለምታ ናይዚ ወርሒ’ዚ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፣ መድሃኒት ካብ ወጻኢ ንምዕዳግ ኢሉ ዘውጽኦ ዶላር ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጹ፣ ዋጋ ዶላር ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፣ ዋጋ መድሃኒት ከኣ ብ300 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ነዳዲን መድሃኒትን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምጉዳሉ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዶላርን ኤውሮን ንዘሽርፉ ሰባት’ውን ይሃድን ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሕጋዊ ዕዳጋ ባንክ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 6 ፓውንድ ሱዳንን 50 ሳንቲምን ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ብሓዋላን ድማ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ ክሳብ 19 ፓውንድን 10 ሳንቲምን’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0