ፕረዚደንታት ሱዳንን ግብጽን ኣብ መንጎኦም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዘትዮም

ፕረዚደንታት ሱዳንን ግብጽን ኣብ መንጎኦም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዘትዮም

Radio Erena: 29 January 2018

Bashir Sisi

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ኣብ መንጎኦም ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብን ወጥርን ብሰለማዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ ንምፍታሑ ኣብ ዝብል ጉዳይ ከምዝዘተየ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም መራሕቲ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 30 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ሱዳንን ግብጽን ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ምትእስሳር ከምዘለወን ብምግንዛብ፣ ነዚ ሕጂ ፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምፍትሑ ክልቲኦም ወገናት ቅሩባት ምዃኖም ኣስሚሮም።

ሱዳንን ግብጽን ብዘይካ’ቲ ንነዊሕ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ዋንነት ናይቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዶባት ሓላይብ’ውን ተፋጢጠን’የን ዝርከባ።

እቲ ብስሉሳዊ ሓላይብ ዝፍለጥ ሰፊሕ ክፋል መሬትን ገማግም ባሕርን ዘጠቓለለ ዞባ፣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግብጺ ክህሉ እንከሎ፣ ሱዳን ድማ ሉኣላዊ ክፋላ ምዃኑ ብምትሕስሳብ ግብጺ ብዘይ ዝኾነ ጎንጺ ክትመልሰላ’ያ ትሓትት ዘላ።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብሰንኪ እዚ ጉዳያት እዚ ክሰሓሓብ ድሕሪ ምጽንሐን፣ ሱዳን ምስ ቀጠር ዝምድንኣ ኣብ ርእሲ ዘይምብታኻ፣ ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ካርቱም ተደሚርዎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ፍሕፈሐ በጺሐን ኣለዋ።

ሱዳን፣ “ግብጺ ምስ ኤርትራ ብምትሕብባር ጸጥታዊ ስግኣት ትፈጥረለይ ኣላ፣” ክትብል ድሕሪ ምውቃሳ፣ኣብ ግብጺ ዝነበረ ኣምባሳደራ ክትስሕብ እንከላ ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ብምዕጻው ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ።

ይኹን’ምበር መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ድሕሪ’ዚ ምስሕሓባት እዚ ብቀዳም 27 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየድዎ ፈላሚ ርክቦም፣ ተጎሃሂሩ ዘሎ ጉዳይ ብሰላም ንምህድኡ ሓባራዊ ኮሚተ ሚኒስተራት ብምቛም ክሰርሑ ከምዝተረዳድኡ ኣፈኛ ፕረዚደንት ግብጺ ባሳም ራዲ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

ኣቐዲሞም’ውን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዮም’ዮን።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0