ጅቡቲን ኬንያን ኣብ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ክተሓባበራ ተሰማሚዐን

ጅቡቲን ኬንያን ኣብ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ክተሓባበራ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 30 January 2018

Djibouti Kenya

ጅቡቲን ኬንያን ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጸጥታዊ ጉዳያት፣ ስልታዊ ሓበሬታታት ክለዋወጣ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና ካብ ናይሮቢ ሓቢረን።

እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 30 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ፍሉይ ርክብ’ዩ።

ጅቡቲን ኬንያን ኣብ ሶማል ካብ ዝንቀሳቐሱ ናይ ሽበራ ጉጅለታት ስግኣት ከምዘለወን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝተሓቖፈ ሰራዊት ናብ ሶማል ኣዋፊረን ይርከባ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ንግዲን ሰደድን ናይ መግቢ እንስሳታትን ፍርያቶምን ብዝምልከት’ውን ተሞክሮታት ክለዋወጡ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ማዕከን ዜና ናስዮናል ካብ ጅቡቲ ሓቢራ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0