ፓርላማ እስራኤል ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ክዕጾ ንዝብል እማመ ኣጽዲቑ

ፓርላማ እስራኤል ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ክዕጾ ንዝብል እማመ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 14 December 2017

kolotsፓርላማ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተኣሲሮምሉ ዝርከቡ ኾሎት ክዕጸው ንዝብል እማመ ከምዘጽደቐ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ክነስት ኣብቲ ብሰኑይ 11 ታሕሳስ ዘካየዶ ኣኼባ፣ እቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ኾሎት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዕጾ ንዝብል እማመ ዝድግፍ ዘሎ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክስጎጉ ወይ ከኣ ናብ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገሩ ካብ ዝብል ዕላማ’ዩ።

ርዋንዳ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 15 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምቕባል ስምምዕ ተካይድ እኳ እንተላ፣ ብዘይድሌቶም ንዝገደዱ ስደተኛታት ግና ክትቕበል ፍቓደኛ ከምዘይኮነትን እቲ ናይ ስምምዕ መስርሕ ድማ ገና ከምዘይተወደአን ‘ያ ትገልጽ።

ብመሰረት’ቲ ቀሪቡ ዘሎ ስምምዕ፣ ንነፍሲ ወከፍ ካብ እስራኤል ዝስጎግ ሓታቲ ዑቕባ፣ ርዋንዳ 5 ሽሕ ዶላር ካብ መንግስቲ እስራኤል ክትቕበል ዝብል ይርከቦ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ መንግስቲ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ልዕሊ 60 መዓልታት ኣብ ኾሎት ክሕዞም ከምዘይክእል ድሕሪ ዝሃቦ ብይን’ዩ እቲ መንግስቲ ሓድሽ እማመ ብምቕራብ፣ ዝበኣሰ መደብ ሓንጺጹ ዘሎ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0