ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተኻቲዑ

ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተኻቲዑ

Radio Erena : 30 January 2015

UKpar

ፓርላማ ብሪጣንያ ብ27 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘትዩ።

እቲ ፓርላማ ኣብ ዘተኡ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምትኳር ብዝተፈላለዩ ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ንዝቐረቡ ሓሳባት ተኻቲዕሎም።

ብሪጣንያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብፍላይ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዘዳውባ ክፋል ብጽኑዕ ዓጽያቶ እኳ እንተላ፣ ናብታ ሃገር ንምዝእታው ንዝኸኣሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍሉይ ከም ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምእትቕበሎም ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣውራ ጠንቂ ስደት መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ናብ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንዘካየዱ ኣባላት ፓርላማ ከምዝተሓበሮም እኳ ኣብቲ ክትዕ እንተልዓሉ፣ እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዘርበ መህደሚ ደኣ’ምበር ናይ ሓቂ ውሳኔ ከምዘይኮነ’ዩ ዝዝረበሉ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንኸተጽንዕ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘትን ኣባል ምኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝኾነትን ሸይላ ኪታሩት፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መርትዖታት ንምእካብ ናብ ብሪጣንያ ከተምርሕ ምዃና ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ ፓርላማ ብሪጣንያ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘተየ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብቲ ዘልዓሎ ክትዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘለወን ዘይተፈትሐ ጉዳይ መዓልብኡ ንምብጻሕ፣ ክልቲኤን ሃገራት ንምቅርራብ ተበግሶ ክወስዳን ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ዝብል ነጥቢ’ውን ተላዒሉ’ዩ

እቲ ፓርላማ ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ’ውን ዘተን ክትዕን ከምዘካየደሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ዘተ ብፍሉይ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

=============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0