ፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘትዩ

ፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 07 December 2017

swiss parliameፓርላማ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ዘትዩ።

ኣብቲ ብ4 ታሕሳስ ኣብ ቤት መንግስቲ እታ ሃገር ዝተኻየደ ዘተ፣ መንግስቲ ስዊዘርላድ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድንኡ ንምምሕያሽ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ንምኽፋት ኣብ ዝብል ሓሳብ ተኻቲዕሉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምስጓግ ዝሕልኑ ኣባላት የማናውያን ሰልፍታት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድና ክጅመርን ኤምባሲ ክኽፈትን ንዝብል ሓሳብ ክድግፉ እንከለዉ፣ ጸጋማውያን ኣባላት ድማ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከይተመሓየሸ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክንከፍት የብልናን ኣብ ዝብል ውሳኔ ጸኒዖም።

ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክሳብ ዝካየድ ምኽፋት ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ተወንዚፉ ክጸንሕ ብምጥላብ ከኣ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝካየድ ተመሳሳሊ ኣኼባ ገምጋም ክቐርብ ተላብዩ።

 ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ብብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን ብዝምልከት መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ከምዝተዘራረበ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ተወሳኺ መጽናዕቲ ንምክያድ ኣባላቱ ናብ ኤርትራ ንምስዳድ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጋዜጠኛታት ናይቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዝኾነ መደበር ሬድዮ ቴሌቪዥን RTS ኣብ ኤርትራ ዘተኮረ መደባት ንምድላው ኣብ ኣስመራ’ዮም ዝርከቡ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0