መንገዲ ኣየር ዓረብያ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

መንገዲ ኣየር ዓረብያ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

     Radio Erena: 07 December 2017

   air arabiaብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝውነን መንገዲ ኣየር ዓረብያ ካብ 10 ታሕሳስ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ።

እቲ ኣካል መንገዲ ኣየር ዱባይ ዝኾነ ኣየር ዓረብያ (Air Arabia)፣ ናብተን ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ክበጽሖኦ ዘይከላ ንኣሽቱ ከተማታት ብትሑት ክፍሊት ኣገልግሎት ንምሃብ’ዩ ኣብ 2003 ኣብ ሻርጃ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተመስሪቱ።

Air Arabia ኣቐዲሙ ናብ ሓሙሽተ ከተማታት ኣፍሪቃ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ክህብ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ናብ ሱዳን-ካርቱምን ሃርጌሳ-ሶማልን’ዩ ክበርር ጸኒሑ።

ምጅማር እዚ ሓድሽ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራን ዱባይን ክካየድ ዝጸንሐ ውሱን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ተወሳኺ ኣማራጺታት ክህብ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንገዲ ኣየራት ኤርትራ፣ ቱርኪ፣ ግብጺን ሱዳንን ካብን ናብን ኣስመራ፣ ካርቱም፣ ካይሮ፣ ዱባይ፣ ኢስታምቡልን ሚላኖን ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0