ፓሪስ፣ ናብ ህዝቢ ብናጻ ክዕደል ዝተላእከ ፍርቂ ሚልዮን ማስክ ኣብ መንገዲ ተሰሪቑ

Radio Erena: 11 May 2020

ኣብ ፈረንሳ፣ ምብራቓዊ ሸነኽ ፓሪስ ናብ ዝርከባ፣ ሞንትሮይን ከባቢኣን፣ ንህዝቢ ብናጻ ክዕደል ዝተላእከ 500 ሽሕ ማስክ (መሸፈኒ ኣፍንጫን ኣፍን) ኣብ መንገዲ ተሰሪቑ።

እቲ ማስክ፣ ናብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ተላኢኹ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ፣ ሰረቕቲ ተኸታቲሎም ብመኪና ብምዕጋት ከምዝዘረፍዎ ከንቲባ ናይታ ምምሕዳር ናብ ነበርቲ ብኢመይል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፣ ብመሰረት እቲ ተኣትዩ ዝነበረ መብጽዓ፣ ካብ 9 ግንቦት ጀሚሩ ንኣስታት 50 ሽሕ ስድራቤታት ነበርቲ እቲ ከባቢ ነናብ ገዝኦም ማስክ ብናጻ ክልኣኸሎም ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ነቲ 112 ሽሕ ኤውሮ ዝዋግኡ ማስክ ብመጽናዕትን ብዝተወደበን ኣገባብ ዝዘረፉ ገበነኛታት ብፖሊስ ይህደኑ ምህላዎም ጋዜጣ ዘ ፓሪዚያን ጠቒሳ።

ዛጊት ልዕሊ 26 500 ሰባት ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ህይወቶም ኣብ ዝሰኣኑላ ፈረንሳ፣ ን2 ኣዋርሕ ዝጸንሐ፣ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ክዕጾ ዘገድድ ኣዋጅ ካብ ሎሚ ሰኑይ 11 ግንቦት ከተፋዅስ ጀሚራ ኣላ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣፉን ኣፍንጭኡን ብማስክ ክሽፍን ክግደድ’ዩ።

ነዚ ዝጠሓሰ ወይ ብማስክ ከይተሸፈነ ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ተሰቒሉ ዝተታሕዘ ድማ 135 ኤውሮ ክቕጻዕ’ዩ።

እታ ሃገር ነዚ ኣዋጅ ቅድሚ ምሕላፋ፣ ኣብ ዕዳጋታት ተሳኢኑ ንዝጸንሐ ማስክ፣ ናብ ፋርማሲታት፣ ሱፐርማርኬታት ከምኡ ድማ ብመንገዲ ምምሕዳራታ ናብ ህዝቢ ከምዝበጽሕ ክትገብር ድሕሪ ምኽኣላ ምዃኑ’ያ ኣገንዚባ።

ይኹንደኣ ‘ምበር ማስክ ሓደ ካብቲ ዝልዓለ ጠለብ ነበርቲ ፈረንሳ ብምዃኑ፣ ብቀሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን።

ንሓደ ማስክ 95 ሳንቲም ክሽየጥ እኳ እንተተመደበሉ፣ ምስ ዘሎ ስእነት፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብ 10 ክሳብ 15 ኤውሮ ክሽየጥ’ዩ ጸኒሑ።

ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ስርቂ ማስክ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ገኒኑ ዝተራእየ ገበን ምዃኑ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0