ፓሪስ፣ ሚ/ጉ ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ነበር፣ ብውልቁ ዘስርሖ ናይ ወሲብ ፊልምታት ዕድኡ ኣይከፈለን ተባሂሉ ይኽሰስ

ፓሪስ፣ ሚ/ጉ ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ነበር፣ ብውልቁ ዘስርሖ ናይ ወሲብ ፊልምታት ዕድኡ ኣይከፈለን ተባሂሉ ይኽሰስ

Radio Erena: 11 April 2018

Al Faisal

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ነበር ስዑድ ኣል ፈይሰል፣ ኣብ ፓሪስ ምስ ዝርከብ ትካል ብምዃን ብውልቁ ዘስርሖ ናይ ወሲብ ፊልምታት ( Pornography) ዕድኡ ኣይከፈለን ብዝብል ወግዓዊ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ምዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

እቲ ካብ 1975 ክሳብ 2015፣ ንኣስታት 40 ዓመታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ስዑድ ኣል ፈይሰል፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋናት፣ ናብ ፓሪስ እናተመላለሰ፣ ምስ ሓንቲ ህብብቲ ፈረንሳዊት ናይ ወሲብ ፊልምታት ተዋሳኢትን ካልእ ሞሮካዊትን ብምዃን ነቲ ፊልም ከምዘዳልዎ ዝነበረ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ዝነበሮ ውህሉል ዕዳ ከይከፈለ ኣብ 9 ሓምለ 2015 ከምዝሞተ ዝገልጽ እቲ ክሲ፣ መርትዖታቱ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ፓሪስ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ናንተር ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ቲካል፣ ነቲ ክሲ ቅድሚ ዓመት ኣቕሪብዎ ምንባሩ ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ደጊሙ ዘልዕሎ ዘሎ፣ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሚኒስተር ምክልኻልን እታ ሃገር መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ወራስ ዓራት፣ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ’ዩ ናብ ፈረንሳ ኣትዩ ዘሎ።

ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ዑደት፣ ኣብ ወትሃደራዊ፣ ንግድን ካልእን ጽላታትን ዘተክረ ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ክኽትም ተኽእሎ ከምዘሎ ይሕብር።

ብወግዒ ሲነማታት ዝኸፈተት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ካን ኣብ ዝካየድ ናይ ዓመታዊ ናይ ፊልም ፌስቲቫል ክትሳተፍ ምዃና’ውን ብምኽንያት ዑደት እቲ ወራስ ዓራት ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናታ ነበር ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝህሉ ርክባት ብኣሉታ ከይጸሉ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ስኽፍታታቶም ይገልጹ።

መብዛሕቶም ሰበ ስልጣን ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን፣ ኣብ ፓሪስ ውቁብ ቪላታት ዝውንኑ ኮይኖም፣ ናይ ዕረፍትን ምዝንጋዕን ግዜኦም ኣብ ፈረንሳ ከምዘሕልፉ’ዩ ዝንገር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0