ከባቢ ድርፎ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓነት መኪና ብምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ሞይቶም

ከባቢ ድርፎ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓነት መኪና ብምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ሞይቶም

Radio Erena: 10 April 2018

Eri accident

ናብ ከባቢ ጋሕተላይ፣ ናብ ታዕሊም ዝወርዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓነት መኪና ኣብ ከባቢ ድርፎ፣ መንገዲ ሸግርኒ ብምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ከምዝሞቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣቐዲሞም’ውን ኣብ ከባቢታት ሕምብርቲን ኣፍዓበትን ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ንተወሳኺ ታዕሊም ናብ ከባቢ ጋሕተላይ እናተዘዋወሩ እንከለዉ’ዩ ብ4 ሚያዝያ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

መብዛሕተን ግዳያት እቲ ሓደጋ ደቂንስትዮ ምዃነን ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት 25 ዝኾኑ’ውን ብኸቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቶም።

ስድራቤታት ናይ ዝበዝሑ በዚ ሓደጋ ዝሞቱ መንእሰያት ድሮ ተረዲኦም ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከቡ።

 

 ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0