ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብ ጀዳ….

ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብ ጀዳ….

Radio Erena: 30 October, 2014

Foz

ሕግን ፍትሕን ኣብ ዝተሳእና ኤርትራ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሓሽም ኣብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ፍትሓዊ ኣካይዳ መንግስትን መደረ ምህባ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኮኒኖም።

ንሳቶም ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እታ ሚኒስተር፣ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጅዳ ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ፣ ከምቲ ካልኦት ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርዎ፣ ኣብ ባይቶ ዘየሎ ምዕባለታት ከምዝዘርዘረት’ውን ኣፍሊጦም።

 

ኣብ ኤርትራ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ዜጋታት ብዘይሕግን ፍርድን ንልዕሊ 10 ዓመታት ተኣሲሮም ደሃዮም ጠፊኦም እንሃለዉ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብዚ ናይ ጅዳ ሰሚናር ብስም ፍትሒ ምምዳራ ዘሕንኽ ምዃኑ’ውን ኣገንዚቦም።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ዘካይድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፣ ነቲ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውውያ ሓሽም ዘካየደቶ ሰሚናርን ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ናይ ለይታዊ ትልሂትን ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ግና መልእኽቶም ብሬድዮ ኤረና ከመሓላልፉ ከምዝወሰኑ’ውን ኣረዲኦም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዜጋታት ይኹኑ ወጻእተኛታት ዝኾነ ዓይነት ተቃውሞን ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ፍቑድ ኣይኮነን።

መብዛሕቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርት ክነብሩ ስለዝግደዱ ኣብ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ተቓውሞታቶም ከስምዑ ከምዘጸግሞም ይገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝርከቡ ደገፍቱ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ጎኑ ጎኑ ድማ፣ ኣታዊታት መንግስቲ ንምዕባይ ዝዓለመ ለይታዊ ትልሂትን ባህላዊ ምሸትን ይውድቡ ከምዘለዉ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጸና ሓበሬታ የመልክት።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0