ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃን ፕረዚደንት ባንኪ ዓለምን ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዑደት የካይዱ

ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃን ፕረዚደንት ባንኪ ዓለምን ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዑደት የካይዱ

Radio Erena: 30 October, 2014

Banki

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙንን ፕረዚደንት ባንክ ዓለም ጂንግ ዮን ኪምን ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ንሳቶም፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቶም ብኢትዮጵያ ጀሚሮም ናብ ጅቡቲ፣ ሶማል ብምብጻሕ ሎሚ ከኣ ናብ ኬንያ ኣትዮም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፕረዚደንት ባንኪ ዓለምን ኣብቲ ናይ ሳልስቲ ዑደቶም ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዘን ሃገራት ተመባጺዕዎ ዘሎ 8 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝን ከተግብርኦ ተዳልዩ ዘሎ ፕሮጀክታትን ዘትዮም።

 

እቲ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝውዕል ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ንምልጋስ ዝተመባጽዓ ባንክ ዓለም፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ ድማ እስላማዊ ባንክ ልምዓትን’የን።
=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0