ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ፕረዚደንት ጋቦን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ፕረዚደንት ጋቦን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

Radio Erena: 17 January 2019

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፈተነ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ፕረዚደንት ጋቦን፣ ዓሊ ቦንጎ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

      እቲ ፕረዚደንት፣ ንኣዋርሕ ሓሚሙ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብሰሉስ 15 ጥሪ ናብ ዓዱ ተመሊሱ።

 

      ብሰንኪ ወቕዒ፣ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቦንጎ፣ ኩነታት ጥዕንኡ ከምዝተመሓየሸ መግለጺ መንግስቲ ሓቢሩ።

      ካልኦት ወገናት እታ ሃገር ድማ፣ እቲ ፕረዚደንት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሓወየ  የመልክቱ።

      ብሓደ ሜጀር ዝተመርሑ ፣ ኣባላት ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ጋቦን፣ ኣብ 7 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቦንጎ፣ ፈተነ ዕልዋ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

      እንተኾነ፣ እቲ ፈተነ ዕልዋ ሰዓታት ከይጸንሐ’ዩ ፈሺሉ።

      ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎን ኣቡኡ ዑመር ቦንጎን፣ ንጋቦን፣ ካብ 1967 ኣትሒዞም ን59 ዓመታት ይመርሑዋ ኣለዉ።

      ዓሊ ቦንጎ፣ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ኣብ 2009’ዩ ስልጣን ተረኪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0