ፍልይቲ ልእኽቲ ኡጋንዳ፣ ካብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብጺሓ

ፍልይቲ ልእኽቲ ኡጋንዳ፣ ካብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብጺሓ

Radio Erena: 07 July 2016

Uga

ፍልይቲ ልእኽቲ መንግስቲ ኡጋንዳ ሰሲልያ ኦግዋላ፣ ብዛዕባ ተሳታፍነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝርራብ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዳ።

እቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓትሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ብምርኻብ’ውን ተዘራሪባ።

ንሳ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ7 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዘካየደቶ ርክብ፣ ካብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ዝተላእከ ደብዳቤ ከምዘብጽሐት ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ሓቢሩ።

 

መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 10 ክሳብ 18 ሓምለ ኣብ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ክጋባእ’ዩ።

እዚ ኣብ ርዋንዳ ዝጋባእ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ ከም ቀንዲ ቴማ’ዩ ሒዝዎ ዘሎ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክርአን ክምርመርን ብዘሕለፎ ምሕጽንታ መሰረት፣ እቲ ሕብረት ኣብዚ ናይ ኪጋሊ ዋዕልኡ ክዘራረበሉ ትጽቢት ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ኣምባሳደር እንተዘይክይኑ፣ ብደረጃ ፕረዚደንት ወይ ሚኒስተር ካብ ዘይሳተፍ ልዕሊ 23 ዓመታት ኣቑጽሩ ኣሎ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0